Till innehåll på sidan

ንቅልውላው ገዛኻ ኣዳሉ።

ንስኻ ድሉው ምስ እትኸውን፡ ኩላ እታ ሃገር ነቲ ከቢድ ፈተና ንኽትገጥሞን ንኽትስዕሮን ኣበርክቶ ትገብር ኣሎኻ ማለት እዩ፡

ኣብ እዋን ከቢድ ማዕበል፡ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ፀገም ወይ ዕጥቃዊ ጎንፂ እቲ ኣቕሊልና እንሪኦ ነገር ምስራሕ ከቆርጽ ይኽእል እዩ፡፡ ስለዝኾነ ምድላው ፅቡቕ እዩ፡፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር መግቢ፡ ዝስተይ ማይ፡ ሓይልን ኣገደስቲ ዝኾኑ መረዳእታታት እትረኽብሉ ዕድል እዩ፡፡ ቀውሲ
ወይ ኩናት እንተድኣ መፅዩ ኩላትና ክንትሓጋገዝ ይግባእ፡፡

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት– ወፍሪ ብዛዕባ ኣብ ናይ ገዛ ምድላው

  • እዚ ብዛዕባ እንታይ እዩ??

    መንግስቲ ኣብ ስዊድን ዘሎ ሕድ ሕድ ሰብ ንቅልውላውን ኩናትን ብዝሓሸ መንገዲ ድልዊ ንክኾን ይደልይ። ስለዚ ትካል ሲቪላዊ ዕቁባን ህጹጽ መደብን ስዊድን(MSB) ካብ 2017 ኣትሒዙ ንህጹጽ ድሉውነት ዝምልከት ወፍርታት ከካይድ ፀኒሑ እዩ። ዕላማኡ ንሓደ ሰሙን ብምግቢ፣ ብማይ፣ ብሬድዮ ከምኡ’ውን መሞቒ ዘለዎ ንምቁጽጻር ድሉው ንዝኮነ ኩሉ እዩ። ኣብ ናይ ገዛ ምድላው ንብሎ እዚ እዩ። ዝተዳለዉ ሰባት ንስዊድን ብሓፈሻ ነቲ ኣጸጋሚ ኩነታት ንምጽዋር ዝቐለለ ይገብሮ። ኩላትና ኣካል ድሉውነት ስዊድን ኢና!

  • እንታይ ክገብር ኢኹም ትደልዩኒ???

    ጽቡቕ እንድሕር፦ - ከጋጥሙ ዝኽእሉ ቅልውላዋት - ንዓኹምን ንስድራኩምን ብኸመይ ክጸልዉኹም ከምዝኽእሉ ተረድኡ - ኣብ እዋን ቅልውላውን ውግእን እውን ከይተረፈ ዝሰርሕ መዓልታዊ ናብራ ንኽትነብሩን ንሓደ ሰሙን ናይ ገዛ ምድላው ይወሃብ እዩ - ንናይ ሓሶት ዜናታትን ሕሜትን ንቑሕ እዩ።

  • ንምንታይ እዩ እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ?

    ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዉ። ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝፈፀመቶ ወረራ ናብ ከቢድ ናይ ፀጥታ ኩነታት ኣምሪሑ እዩ። ኣብ ልዕሊ ስዊድን ቀጥታዊ ስግኣት ናይ ኩናት የለን፣ ግን ብኻልእ መንገድታት ግን ጸሊዉና እዩ። ንኣብነት ናብ ዓዲ ውሽጢ ኣብ ዝኣትዉ ኣቕሑትን ኣገልግሎትን ኣብ ምምሕልላፍ ዕንቅፋት ክህልዉ ይኽእል እዩ። እቲ ለበዳን ለውጢ ኩነታት ኣየርን እውን ኣብዚ እዋን እዚ ይጸልወና ኣሎ።


    ነዚ ድሕረ- ባይታ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ግን ሰባት ስግኣትን፣ ሓደጋታትን ተቃላዕነትን ብዝምልከት ብዝሓሸ መንገዲ ክዳለዉ ኣለዎም። ስለዚ ንቅልውላዋትን ዝኸፍአ ኩናትን ምድላው ክንደየናይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምዝክኻር ኣብ ዓመት ንዝተወሰነ ግዘ ክነፋልጥ ኢና። ንኣብነት፣ ካብ 8 ሰነ ክሳብ 24 ሓምለ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ብዛዕባ ኣብ ናይ ገዛ ምድላው ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ጣብያታትን ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ክነፋልጥ ኢና። ናይ ሰባት ንቅልውላዋትን ኩናትን ዘለዎም ተጻዋርነት ምዕባይ ናይ MSB ካብ መንግስቲ ልእኽቶ ኣካል እዩ

  • ንምንታይ እዩ ኣብ መላለይታት(ማይ፣ ሬድዮ፣ ምግቢ፣ ላምባዲና) ሓደ ነገር ጥራይ ዝጠቅሱ?

    ኣብ ገዛ ውሽጢ ንክህልዉና ጽቡቕ ዝኾኑ ነገራት ከም ኣብነት ንህብ ኢና። ብንእሽተይ ነገር ይጀምሩ እሞ ብድሕሪኡ ድልውነቶም ይወስኹ። ብናሃቶምን ብናይ ስድርኦምን ድልየት ተመርኪሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ ክህልወኩም ትደልዩዎ ነገራት ኣመዓራርዩ።

  • ሓቂ ክኾኑ ዝኽእሉ ስግኣታት እንታይ እዮም?

    ንማሕበረሰብና ኣብ ሓደጋ ዘእትው ብዙሕ ቅልውላዋት ኣለዉ። ሓደ ሓዲኦም ብሃንደበት ክመጹ ኸለዉ ካልኦት ድማ ብሕቡእ ከመጹ ይኽእሉ። ለውጢ ኩነታት ኣየር ውሕጅ፣ ብርቱዕ ማዕበልን ባርዕ ዱርን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጥም ቅልውላው ኣብ ስዊድን ሕጽረት ዝተወሰኑ ምግብታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገዳሲ ናይ ኣይቲ ሲስተማት ዘጋጥም ምብልሻው ወይ መጥቃዕቲ ንከም ቀረብ ኤሌክትሪክ ዝኣመሰለ መሰረተ ልምዓታትና፣ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ብዘይካ’ዚ ክፍሊት ካርድን ግልጋሎት ኢንተርኔትን ጠጠው ምባል ከምርሕ ይኽእል እዩ።

  • ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ገዛይ ኣቐዲመ ድልዉ ናይ ምዃን ዕድል የብለይን። እንታይ እዬ ክገብር ዘለኒ?

    ዝከኣለኩም ግበሩ! ንእሽተይ ነገር ኣብ ቅልውላው ንዘሎ ኩሉ ነገር ማለት እዩ። ኣብ ቀለልቲ ነገራት ትኩረት ግበር፦ - ብባትሪ ዝሰርሕ ሕሳር ሬድዮ ይርኸቡ። ድሕሪኡ ኩልሻብ ዜና ክሰምዑ ይኽእሉ እዮም። - ኣብ ገዛኹም ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእልን ኣብ ዝሑል ቦታ ምቅማጥ ዘየድልዮን ተወሳኺ ምግብን ይሃልውኹም። ንሶምን ስድርኦምን መብዝሓትኡ ግዘ ዝበልዕዎ ነገራት ይምረጹ። - ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ስልኪ ቁጽርታትን ኣብ ዝርዝር ይጽሓፉን ኣበይ ከም ዘሎ ምእንቲ ክፈልጡ የቀምጡዎ።
    - ውሑዳት ጠራሙዝን ወይድማ ታኒካታትን ብማይ ይምልኡዎ። - መድሓኒት ዝጥቀሙ እንድሕር ኮይኖም- ንተወሳኺ ሰሙን ዝኸውን ንክህልዎም ምምጽኦም የረጋግጹ - ምስ ጎረባብትኹም ተፋለጡ፣ ብሓባር ንምስራሕ ዝቐለለ ይኮነልኩም። ንእሽተይ ክብር ኣብዝበሉን ከትካፈሉዎ ኣብ ትኽእሉን ነገራት ተኣኻኸቡ። - "እቲ ቅልውላው ወይድማ እቲ ኩናት እንተመጺኡ" ዝብል በራሪ ጽሑፍ ካብ MSB ይእዘዙ። ካልእ ዝሓሰሩ ምኽርታት እውን ኣለዉ።
    - ኣብ ቀረባኹም ካብ ዘሎ ተሞክሮ ዘለዎ፣ ንኣብነት፣ ኩናት ወይድማ ተፈጥሮኣዎ ሓደጋ ዘጋጠሞ ተምሃሩ።

  • ዝውዕል ን72 ሰዓት ዶ ኣይኮነን?

    ካብ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቡዙሓት ምምሕዳራትን ትካላትን ስዊድን እውን 72 ሰዓታት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። ብ2020፣ መንግስቲ ስዊድን ውልቀ-ሰባት ንሓደ ሰሙን ክዳለዉ ንምምካር ናይ ምክልኻል ፖሊሲ ውሳነ ገይሩ እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፣ ሰሙን እኳ እንተነበረ፣ 72 ሰዓት ግን ካብ ምንም ዝሓሸ እዩ።

  • ድሕሪ ሰሙን እንታይ እዩ ይኸውን?

    ብትኽክል ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እንተኾነ ግን ንሓደ ሰሙን ዝኸውን፣ ሕብረተሰብ ነቲ ኹነታት ብዝተኻእሎ መጠን ንምፍታሕ ጥሪቱ ንምእካብ ግዜ ረኺቡ እዩ።

  • ንምንታይ እየ ክዳለው ዘለኒ?

    ክትዳለው ኣለካ ምኽንያቱ ስዊድን ድሉው ምዃና ኣብ ኩሎም ሰባት ዝተመስረተ እዩ - ሰበ-ስልጣን፣ ትካላት፣ ኩባንያታት ከምኡ’ውን ውልቀ-ሰባት ሓላፍነት ወሲዶም ኣበርክቶ ይገብሩ። ንዓርሶምን ንስድርኦምን ሓላፍነት እንተወሲዶም፣ ከምኡ ክገብሩ ኣለዎም። ድሕሪኡ ንማሕበረሰብ ሸኽሚ ኣይትኾኑን፣ ምክንያቱ ብዙሓት ደገፍ ዘድልዮም ስለ ዘለዉ። ሎሚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ተወሳኺ ድጋፍ እንተደሊኹም፣ ካልኦት ባዕሎም እንተተዳሊዎምን ባዕሎም ምምሕዳር እንተኽኢሎምን ንዓኹም ጽቡቕ እዩ፣ ስለዚ ዝተለምደ ረድኤት ምርካብ ትኽእሉ።

  • ሕብረተሰብ ንዓይ ምሕብሓብ ኣይክእልን?

    ኣብ ስዊድን፣ ከም ኤሌክትሪክ፣ ማይ፣ መጓዓዝያ፣ ድንኳናት ከምኡ’ውን ክፍሊት ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ስራሕታት ለሚድናዮ ኢና። እንተኾነ ግን ኣብ ቅልውላው ወይ ኹናት ኩሉ ነገር ብሓደሻብ ንኩሉ ሰብ እኹል ከምዘይኾን ክትዳለዉ ኣለኩም። ፈለማ እቲ ረድኤት ነቶም ዝሓሸ ዘድልዮም ሰባት ይበጽሕ። ሰበ-ስልጣንን ትካላትን ነቲ ኩነታት ቀልጢፎም ንምምሕያሽ ዝከኣሎም ክገብሩ እዮም። ንዝተፈላለየ ምድላዋት ንምትእንጋድ መደባት ኣለዉ፣ ግን ንሶም ባዕሎም እውን ክዳለዉ ኣለዎም ፣ ከምኡ’ውን ኩላትና ክንተሓጋገዝ ኣለና።

Senast granskad: 22 ሰነ 2022

Till toppen av sidan