ብዛዕባ ወጥሪ ወይ ኵናት/ ውግእ ምምጻእ
እቲ "ወጥሪ ወይ ኵናት እንተ መጸ" ዘርእስቱ መጽሄት/ብሮሹር፡ ንሕና ኣብ ሃገር ሽወደን እንቕመጥ ኣብ ግዜ ከቢድ ሓደጋታት፡ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ናይ ኢንተርነት መጥቃዕቲ፡ ወይ ወትሃደራዊ ግጭት ብኸመይ መገዲ ዝያዳ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘሎና ሓበሬታ ይህብ።
ስለምንታይ እዩ እዚ ሓበሬታዚ ኣገዳሲ ዚኸውን?
ሓበሬታ ማለት፡ ሓላፍነትካ ንኽትፈልጥ ዘኽእለካ መሳርሒ እዩ፡ ግን ከኣ ብተወሳኺ እቲ ማሕበረሰብ ከመይ ከም ዚነጥፍ ንኽትፈልጥ የኽእለካ። እኹል ሓበሬታ ምስ ዚህልወካን ድሉው ምስ እትኸውንን፡ ገለ ነገር ኪፍጸም ከሎ ግብረመልሲ ትህብን ንኻልኦት ድማ ትሕግዝን። ናይ ሃገር ሽወደን ድሕንነትን ድሉውነትን ሓላፍነት፡ ንኹሎም ተቐማጦ ብሓባር ይምልከት።
ናይ ክዉንነት ሰሌዳ
እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ መጽሄት/ብሮሹር እተላእከ፡ እቲ ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት 1961 እተላእከ እዩ። ኣብቲ ግዜቲ፡ ኣርእስቱ "ኵናት እንተ ተላዕለ" እዩ ዚብል ነይሩ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ሓበሬታ ኣብ ናይ ተለፎን ደብተር ይርከብ ነይሩ።
Om krisen eller kriget kommer : tigrinsk version
Publikationsnummer: MSB1218
Utgivningsår: 2018
Broschyren skickas ut till 4,8 miljoner hushåll i Sverige i samband med kampanjen Krisberedskapsveckan, den 28 maj – 3 juni 2018. Syftet med informationen är att vi ska bli bättre förberedda på följde...
Vår beredskap för matbrist : tigrinsk version
Publikationsnummer: MSB2041
Utgivningsår: 2022
Mat är grunden för vår existens, men också viktig för vår sociala samvaro. I Sverige har vi gott om mat, men om det blir ett långvarigt elavbrott, importstopp till följd av krig eller någon annan kris...